ከተማ ቺንዳው 9 ሚልየን ነበርታ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ምርመራ ላባራቶሪ ቫይረስኮሮና ክትገብረሎም ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይናዊት ከተማ ቺንዳው ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ሓንቲ ከተማ ን9 ሚልዮን ነበርታ ምርመራ ቫይረስኮሮና ከምእተካይድ ተገሊፁ።

ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ሕሙማት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝሕከሙሉ ሓደ ሆስፒታል ብርክት ዝበለ መልከፍቲ ስለዝተራእየ’ዩ ነዚ ክትገብር ወሲና።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብምኽንያት እቲ ዓለማዊ ለብዒ 11 ሚሊየን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ውሃን ሙሉእ መርመራ ኮቪድ-19 ገይራ ነይራ።

ኮሚሽን ጥዕና ከተማ ቺንዳው ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሽዱሽተ ሓድሽ መልከፍትን፣ ሽዱሽተ ምልክታት ዘርኣዩን ተረኺቦም ኣለው።

ኩሎም ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝተረኸቡ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እታ ከተማ 9 ሚልየን ዜጋታታ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ምርመራ ላባራቶሪ ቫይረስኮሮና ክትገብረሎም ኢያ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment