ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ን6 ክልላትን ሃንቲ ከተማ ምምሕዳርን ሓገዝ ኣቑሑት መናፅሂ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከተማ ምምሕዳርኣዲስ ኣበባ ንሽዱሽተ ክልላትን ንከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ሓገዝ ኣቑሑት መናፅሂ ገይሩ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝገብሮ ካልኣይ ዙር ሓገዝ ኣቑሑት መናፅሂ፥ ንክልላት ትግራይ፣ሶማሌ፣ ዓፋር፣ ሃረሪ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ከምኡ እወን ንከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋን ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ንክልላት ዝከፋፈል ሓገዝ ኣቑሑት መናፅሂ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ባዕሉ በጀት ዝገዝኦም እንትኸውን፥ ብቐንዱ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ዝኾኑ መሸፈኒ ገፅን ሰውነትን፣ ጓንቲን ሳኒታይዘራትን ከምኡ እውን ካልኦት ማናፅሂታት ይርከቡዎ።

ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንስራሕቲ ቅድመ ምክልኻን ዝኸውን ንክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ደቡብን ነንሕድሕደን 15 ሚሊየን ዝዋግኦም ኣቑሑት መናፅሂ ሓገዝ ምግባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment