ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንነዊሕ እዋን ኤሌክትሪክ ተቛሪፁዎም ዝነበሩ ከባቢታት ላሊበላ፣ ወረዳ ላስታን ከተማ ሙጃን ሎሚ መዓልቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺቦም፡፡

ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸቡ ከባቢታት ብግብረ ራዕዲ ህወሓ ልዑል ጉድኣት ዝበፅሖ 66 ኪሎ ቮልት መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣላማጣ ላሊበላ ፅገንኡ ምዝዛሙ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ዳይሬክተር ዲስትሪክት ወልዲያ ሽመልስ ወልደሰማያት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስራሕቲ ፅገና ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛምን እቲ ከባቢ ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቀምቲ ንምግባርን ሰራሕተኛታት እቲ ዲስትሪክት ልዑል ርብርብ ገይሮም፡፡

ኣብ ሰቆጣን ከባቢኣን ዝርከባ ከተማታት ተቛሪፁወን ዝነበረ ሓሊ ኤሌክትሪክ ንኽረኽባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment