ከተማና ናይ ኩልና ስለዝኾነት ንዕቤታ ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ከተማና ናይ ኩልና ከም ምዃና መጠን ኩሉ ሓላፍነት ዝስመዖ ዜጋ ብዛዕባ ዕቤታን ቀፃሊ ስራሕቲን ብሓሳብ፣ ብጉልበትን ገንዘብን ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት ይግባእ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ሙሁራን፣ ሰብ ሞያ ሚዲያ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባትን ኣንቃሕቲን ብዛዕባ ኣፈፃፅማ ትልሚ 15 ኣዋርሕ እታ ከተማን ቀፀልቲ ትልሚታትን ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን ልዝብ ምግባረን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን፡፡

“ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዝታይ፣ ብምትሕብባር፣ ብምድምማፅን ብዝሰልጠነ ልዕልነት ሓሳብን ሰላማዊት ንነበርታ ምችውቲን ከም ስማ ዕምበባ ምግባር ክንቅፅል ኢና” ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment