ከተማታት ጃማ፣ ወረኢሉን ኩታበርን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማታት ጃማ፣ ወረኢሉን ኩታበርን ተቛሪፁወን ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ ወራር ህወሓት ናፃ ዝወፅኣ እተን ከተማታት ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽረኽባ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝፅግንን ዝሃንፅን ጉጅለ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክልል ኣምሓራ፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከተማታት መሊሱ እናራኸበ ይርከብ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ እቲ ወራሪ ጉጅለ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁወን ዝነበራ ከተማታት ጃማ፣ ወረኢሉን ኩታበርን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርካበን ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፅገና ትሑትን ማእኸላይን  መስመር ከተማታት ሃይቅን ቢስቲማን እናተዛዘመ ከምዝርከብ እውን ዳይሬክተር ዲስትሪክት ደሴ ኣይተ ሃብቱ ኣበበ ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment