ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማታት ንምዕባለን ናብራን ብዝበለፀ ምቹዋት ንምግባር ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልምዲታት ብምውሳድ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ሰጒምና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሸሞንተ ኣንፈታት ልምዓት ኮሪደርን 2 ሺሕን 879 ሄክታር ዝሽፍን ስፍሓትን እናተሰርሐ ዝርከብ ፀብፃብ ካልኣይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ገምጊምና” ኢሎም።
በዚ ድማ ከተማታትና ንዕቤትን ምዕባለን ንናብራ ብዝበለፀ ምቹዋት ንምግባር ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልምዲታት ብምቕያር ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንምስጓም ከመዝተኽኣለ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ሓላፍነታት ምድሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብመሰረት እዚ ፈለማ ንጠለብ ዝቕፅል ትውልዲ ዝስማዕምዑ ከተማታት ምህናፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
“ካልኣይ ድማ ኣብ ምልዋጥ ዝርከባ ከተማታት ክብ ኢሉ ክዓቢ ዝኽእል ትውልዲ ምሕንፃፅ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ሳልሳይ ድማ እዞም ዝዘመኑ ከተማታት ብልህቀት ንምምራሕ ዝተሰናደአ ኣመራርሓ ኮትኲትካ ምብቃዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡