ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግታይ ዘለዋ ከተማታት ፅሬተን ዝሓለዋን ንነበርተን ምቹዋት ኣብ ምግባር ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጠልብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሓምለዋይ ልምዓትን ፅባቐ ከተማታትን ኣይተ ኣዳነ ገብረፃድቕ፥ ከተማታትና ፅሩያት ኮይነን ፀገም ጥዕና ነበርተን ንምክልኻል ዝተዋደደ ስራሕ ስለዝጠልብ ኣብዚ መዳይ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ብዋናነት ውራይ ፅሬት ከተማታት ብተሳትፎ ሕብረተሰብ እዩ ዝዕወት ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብ ትካላት መንግስቲ፣ ክፍቲ ቦታታት ወይ ኣብ ኣስፋልት ዝርከቡ ጉሓፋት ኣብ ምልዓል ህዝቢ ይሳተፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሰብን ተሽከርከርቲ ፀገማት ብምግጣሙ ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ከተማታት ከቢድ ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቶም ፀገማት ክሳብ ዝፍትሑ ግና ጉሓፉ ኣብ ማእኸል ፅርግያን ሰብ ዝነብረሉን ከባቢ ዝድርበየሉ ኩነታት ተመሊሱ ነቲ ሕብረተሰብ ስለዝጎድእ ዓርሱ እቲ ሕብረተሰብ ብዝተዋደደ ኣገባብ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ምግንዛቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ጉሓፍ ኣብ ግቡእ ዘይኮነ ቦታ ዝድርብይ ሰብ ክእረም ኣብ ምግባርን ፅሬት ከተማታት ኣብ ምሕላውን ግደ ነበርቲ ዝዓዘዘ ብምዃኑ ኩሉ ከም ሓደ ወፊሩ ኣብ ሓለዋ ፅሬት ከባቢኡ ትኹርን ንክገብር ምዒዶም።
ብፍላይ ኣብ ከባቢ 20 ሜትሮ ሬድያስ ርሕቐት ሕድሕድ ነባራይ ብምፅራይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ እኳ እንተኾነ ሙሉእ ብዘይምዃኑ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምዝያድ ክስራሕ ከምዘለዎ እቶም ዳይሬክተር ኣገንዚቦም።