ከተማታት ሰመራ፣ ሎጊያ፣ ዱብቲ፣ ኣይሳኢታ፣ ሚሌ፣ ዲችኦቶ፣ ኤሊዳኣርን ጋላፊን ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ከተማታት ሰመራ፣ ሎጊያ፣ ዱብቲ፣ ኣይሳኢታ፣ ሚሌ፣ ዲችኦቶ፣ ኤሊዳኣርን ጋላፊን ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ወረራ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዕንወት ምብፅሑ ዝዝከር እንትኸውን፥ ኣብቲ ክልል ካብ ሰብስቴሽን ኮምቦልቻ ዝረኽባ ሸውዓተ ኣገልግሎት መውሀቢ ማእኸላት ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት እንተይረኸባ ፀኒሐን ኢየን፡፡

ይኹን እምበር ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክልል ዓፋር ብዝገበሩዎ ርብርብን ስራሕቲ ፅገናን እተን ከተማታት ካብ ትማሊ ጀሚረን ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርካበን ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment