ከባብያዊ ምርጫ ምስላጥ ዘኽእል ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦረድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከባብያዊ ምርጫ ምስላጥ ዘኽእል ዘተ መስ መዳርግቲ ኣካላት የሳልጥ ኣሎ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳ ኣድላይነት እቲ ምርጫ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ እዚ ንምክያድን ካብ ዝማዕበላ ሃገራት ልምዲ ንምምሃር ዘኽእል ዘተ ይግበር ከምዘሎ ሓቢረን።

እቲ ምርጫ ኣበ ክልላት ንምክያድ፣ ዘጋጥሙ ፀገማትን ክህልዉ ዝኽእሉ መመሓየሽቲ ሕጊታትን ብዝምልከት ናብቲ መድረኽ ዘተ እታዎት ንክኸውን ከምዝቐረበ ሓቢረን።

ዜጋታት፥ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝግበር ከባቢያዊ ምርጫ ካብ ጣቢያ ክሳብ ወረዳን ዞንን ተወከልቶም ብምምራፅ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘማዕብልሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፀጋዬ ወንድወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment