ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ከባቢ ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣዋሽ ኣብ ዓለም ቅርስነት ንምምዝጋብ ሕቶ ከምዝቐረበ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ምምዝጋባ ይፍለጥ።
ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከባቢ ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣዋሽ ኣብ ዓለም ቅርስነት ንምምዝጋብ ሕቶ ቀሪቡ ኣሎ።
“ሆሞ ሃቢሊስ” ዝተብሃለ ዘርኢ ናይ ቀደም ሰብ እንትጥቀመሎም ዝነበሩ ናይ ቀደም መሳርሒታት እምኒ ዝሓዘ ከባቢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ እቲ ከባቢ ዝምልከት ሓበሬታታት ናይ ምውዳብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።