ከም ክልል ኣብ ሓደጋ ተርእዮ ሕማም ኮሌራ ስለዘለና ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ – ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሓደጋ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ ብምህላዉ ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ቢሮ ጥዕና ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ቢሮ ክኢላ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ማሕበረሰብ ኣይተ ተስፋይ ተመስገን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሕማም ሸሮኽ ምስ ፅሬቱ ዘይሓለወ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድሪ፣ ኣመጋግባን

ዝኽሰትን ውፅኣት ብምስዓብ ክሳብ ሞት ዘበፅሕን ተመሓላላፊ ሕማም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ብዙሓት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ምህላዎም ብምዝኽኻር፥ እቲ ሕማም ብመልክዕ ለበዳ ናይ ምግጣምን ምልባዕን ዕድሉ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ምልክታት ንምርኣይን ኣብ ሰብ ዝህሉ ተቓላዓይነት ንምውሳኽን ካብ 2 ሰዓት ክሳብ 3 መዓልታት ጥራሕ ከምዝፀንሕ ብምግላፅ፥ ካብቲ ምልክታት ዘርኣየ ይኹን ዘየርኣየ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ንምምሕልላፍ ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ጥራሕ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ቀንዲ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ፥ ቃንዛ ዘይብሉ ማያዊ ውፅኣት/ተቕማጥ፣ ተምላስ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም።

ነቶም ምልክታት ስዒቦም ምቑርቋር ዓይኒ፣ ምቕናስ ሽንቲን ቅርጥማትን ዝብሉ ምልክታት ኣብቲ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ ከምዝረኣዩ ኣብሪሆም።

በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፈ ሰብ ተምላስ ወይ ውፅኣት ዝተንከፈ ሰብ ኢዱ ብሳሙናን ማይን ከይተሓፀበ ኣፉ እንተነኺኡን ብኢዱ ኣቢሉ እንተተመጊቡን በቲ ሕማም ከምዝተሓዝ ኣይተ ተስፋይ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሃመማ ካብቲ ዝሓመመ ሰብ ተበጊሱ ናብ ምግቢ እንተዓሪፉ፣ በቲ ባክተሪያ ዝተበከለ ማይ ምስታይ፣ ብዝተበከለ ማይ ዝሕፀቡ ኣሕምልቲን ፍራምረን ምምጋብ፣ በቲ ኮሌራ ዝተበከለ ሰገራ ከም ዱኽዒ ብምጥቃም ዝባፅሑ ኣሕምልቲ ከየብሰልካ ምጥቃም፣ ብዝተበከለ ማይ ኣቢሉ ዝዳሎ “ጀላቲ” ቀንዲ መመሓላለፍቲ መገዲታት ኢዮም ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቱ ናይ ዝሰኣነ ሰብ ኣብ ግንዘት፣ ስርዓተ ቀብሪ ይኹን ብካልእ መገዲ ምንኽኻእ እንተሃሊዩ እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንክመሓላለፍ ልዑል ዕድል ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ከም ክልል ሕማም ሽሮኽ ንከጋጥም ይኹን ክጋደድ ዘኽእሉ ዕድላት ብስፍሓት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ስርዓት ጥዕና ልዑል ውድቀት ምስዓቡ ተቓላዓይነት እቲ ሕማም ክውስኽ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ዝተኣከብሎም ፅሬቶም ዘይሓለዉ ብዙሓት ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምህላዎም እቲ ሕማም ብቐሊሉ ንክላባዕ ዝገብር ከምዝኾነ እቶም በዓል ሞያ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብቶም ማእኸላት ፅሬቱ ዘይሓለወ ቀረብ ማይ፣ ዘይውሑስ ምግቢ፣ ዘይምዕሩይ ስርዓተ ግንዘትን ቀብሪን ብድምር ትሑት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ዘለዎም ማእኸላት ብምዃኖም እቲ ሕማም ከጋጥምን ክላባዕን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ካብቶም ማእኸላት ወፃእ ዘሎ ማሕበረሰብ ትግራይ እውን እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣዝዩ ዝተሃሰየ መነባብሮን ኣነባብራን ዘለዎ ብምዃኑ ብሓፈሻ ኩሉ ማሕበረሰብ ንሕማም ሸረኾ ወይ ኮሌራ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ኣተሓሳሲቦም።

መጥበውቲ ኣዴታት፥ ንውላደን ጡብ ቅድሚ ምሃበን ብሳሙናን ማይን ኣቢለን ኣጥባተን ክሓፅባ ክምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

ናይቲ ሕማም ምልክታት ዝተርኣየሎም ወገናት ብህፁፅ ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ክኸዱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ክልል ሕማም ሽረኾ ወይ ኮሌራ ንከየጋጥም ዓሊሙ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ይገብር እኳ እንተሃለወ፥ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ኣብ ትካላት ጥዕና ይኹን ሆስፒታላት ዝነበሩ ናውቲታትን መድሓኒታትን ዕንወት ብምግጣሙ ከምቲ ዝድለ ንምንቅስቓስ ፀገም ኣጋጢሙ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ፌዴራል ብፍላይ ሚኒስትር ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን እቲ ሕማም ኣብ ትግራይ ብመልክዕ ለበዳ እንተጋጢሙ ንምቁፅፃር ከቢድ ምዃኑ ብምግንዛብ፥ ግንዛበ ሕብረተሰብ ከበርኹ ዝኽእሉ ጎስጓሳት ንምግባር ዘኽእል ባጀት ኣብ ምስላዕ፣ ኣብ ቀረብ መድሓኒት፣ ቀረብ ጨው እንግሊዝ( ኦ ኣር ኤስ)፣ ማይ ዝሕከመሎም መድሓኒታት ወዘተን ሓገዝ ክገብር ሓቲቶም።

ብተወሳኺ ከም ክልል ኣብ ሓደጋ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ ስለዘለና ሕብረተሰብ ዝገብሮ ልዑል ጥንቃቐ ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ሕማም እንተጋጥም ህፁፅ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ሰብኣውን ፋይናንስያውን ሓገዛት ክልግሱ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment