ከሊፋ ሃፍጣር ብፋይዝ ሳራጅ ዝተፀወዐ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይቕበሉ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኡ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝገበረ ሓይሊ ከሊፋ ሃፍጣር ብቀዳማይ ሚኒስትር ሊቢያ ፋይዝ ሳራጅ ዝተፀወዐ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ንባዕሉ ብሄራዊ ወታደራዊ ሓይሊ ሊቢያ ኢየ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ዝኾኑ ኣሕመድ ሚስማሪ፥ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፀውዐ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል “ንረብሓ ሚዲያ” ዝውዕል ኢዩ ክብሉ ኣናኣኢሶምዎ።

እቶም ኣቐባሊ ምምሕዳር ፋይዝ ኣል ሳራጅ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ብዘኽአሎ መልክዑ ሓይሉ ኣብ ከባቢ ሲርጥ እናዋደደን ወታደራዊ መሳርሒታት ናብቲ ቦታ እናጓዓዘን ከምዝኾነን ገሊፆም።

ሓቀኛ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል እንተተደሊዩ፥ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ምምሕዳር ኣል ሳራጅ ወታደራቱ ካብቲ ከባቢ ከርሕቕ ይግበኦ ኢሎም።

እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ግን እቲ ፃውዒት ካብ ረብሓ ሚዲያ ዝዘለለ ኣስተዋፅኦ ከምዘይህልዎን ዝፍነወሎም መጥቃዕቲ ንምምካት ድሉዋት ከምዝኾኑን እውን ኣገንዚቦም።

ምምሕዳር ኣል ሳራጅ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መላእ ሊቢያ ተኹሲ ጠጠው ከምዘበለ ብምግላፅ ጉጅለ ዕጡቓት እቲ ተኹሲ ጠጠው ምባል ንኽትግብሩ ፀዊዑ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ከባቢ ሲርጥ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ብምግባር ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መጋቢት ከባቢያዊን ፕሬዚዳንታዊን መረፃ ንኽካየድ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment