ኦዲት ካብ ዝተገበራ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ 38 ኣብያተ ዕዮ ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዘይተወራረደ ሒሳብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኦዲት ካብ ዝተገበራ 291 ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብተን 38 ኣብያተ ዕዮ ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዘይተወራረደ ሒሳብ ከምዝረኸበ ቤትፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ረዳኢ በርሀ፥ ፀብፃብ 6 ኣዋርሕ ርካብ ኦዲት ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ኢዮም ነዚ ዝበሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘይተወራረደ ሒሳብ ዝነበረን ኣብያተ ዕዮ 21 ከምዝነበራ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ሎሚ ዓመት ግና ቁፅረን ናብ 28 ወሲኹ ኢሎም።

ነዚ ፀብፃብ መሰረት ገይሮም ኣባላት ቤትምኽሪ ትግራይ ሕቶን ሪኢቶን ኣልዒሎም እዩም።

ዝምልከቶም ኣኻላት ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ድማ፥ ምንኣስ ዓቅሚ ሰራሕተኛታትን ካብ 2002 ዓም ኣትሒዙ እናተንጠባጠበ ዝመፀ ፀገምን ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ ብግደኦም፥ እቲ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብዘይተወራረደ ሒሳብ ዝስርሑ ዘለው ፕሮጀክታት ቀልጢፍካ ብምዝዛምን ተሓታትነት ክነንግስ ብምግባርን ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣብሪሆም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘይተወራረደ ሒሳብ ብኣግኡ ክወራረድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ጉዳይ ትኩረት ሂቡ ንክሰርሕ እውን ፀዊዖም።

ብዮናታን ግዛቸው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment