እዝ ምብራቕ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እዝ ምብራቕ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምርቓት፥ ዋና ኣዛዚ እዝ ምብራቕ ሜጀር ጄነራል ዘውዱ በላይ ተረኺቦም።

እቲ ስልጠና ኣብዚ ቀጠና ዝርአ ምንቅስቓስ ኣልሸባብን ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ንምክልካል ኣብ ዝኽእልሉ ስልጢ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ዓቕሚ ሰራዊት ክብ ንምባልን ዝወሃብ ልኡኽቶ ብብቕዓት ንምፍፃም ብዘኽእል መገዲን ዝተውሃበ ሰልጠና ከምዝኸሎነ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ በሰር ዘይብሉን ሰለማዊን ኮይኑ ንክዛዘም ኣብ ዘኽእል ምድላው ዘድሃበ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምሕላው ዘኽእል ስልጠና ከምዝተውሃቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment