እዚ እዋን ታሪኽ ንዛረበሉ እዋን ዘይኮነስ ታሪኽ ንሰርሐሉ ኢዩ – ምልምል ሰልጠንቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”እዚ እዋን ታሪኽ ንዛረበሉ እዋን ዘይኮነስ ታሪኽ ንሰርሐሉ ኢዩ ክብሉ ኣብ ብር ሸለቆ መሰልጠኒ መሰረታዊ ውትድርና ዘሰልጥኑን ዝስልጥኑን ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ገሊፆም።

መበል 33 ዙር ምልምል ሰልጠንቲ ንኢትዮጵያ ካብ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምክልኻል ዝኾ ይኹ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣባል መበል 103 ክፍለ ሰራዊት ኣየር ወለድ ነበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ሻምበል ፈለቀ ደበሌ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፃውዒት መንግስቲ ብምቕባል ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ መሰረታዊ ውትድርና ብር ሸለቆ ኣዛዚ ሻምበል ብምዃን ብፅቶም እናተዋፅኡ ይርከቡ፡፡

“ግፍዒን በደልብ በፂሑና ካብ ሰራዊት ዝተገለልና ንኹን እምበር ብሃገር ድርድር ስለዘየለ ሎሚ እውን ሃገርና ካብ ባንዳታት ንምድሓን ነቲ ወራሪ ጉጅለ ንምቅላስ ድሉዋት ኢና” ክብሉ ምግላፆም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment