እዚ ምዕራብ ውዳበ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምፍራስን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ንኽዛዘም ዕዙዝ ብፅሒት ተዋፂኡ ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምዕራብ ውዳበ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምፍራስን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ንኽዛዘም ዕዙዝ ብፅሒት ተዋፂኡ ኢዩ ክብሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

አእቲ አዚ ብሰለስተ ደረጃታት ሽልማት ሜዳሊያ ዝሃበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦ ኣመራርሓታት፣ ኣባላትን ክፍሊታትን ተሸለምቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ነቶም ጀጋኑ ሜዳሊያ ድሕሪ ምሽላሞም መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም ድማ እቲ እዚ ቀንዲ ኣመራርሓታት እቲ ግብረ ራዕዲ ብምድምሳስን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓልን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ንኽዛዘም ዝዓዘዘ ብፅሒት ከምዝተዋፀአ ገሊፆም።

እቶም ተሸለምቲ ሃገር ካብ ምፍራስ ንምድሓን ንዝገበሩዎ ቃልሲ ሽልማት ከምዝተውሃቦም ዝገለፁ እቶም ፊልድ ማርሻል፥ እቲ ሽልማት ንዝተመረፁ ኣባላት ይወሃብ እምበር እቲ ስራሕ ግን ናይ ኩሎም ኣባላትን ኣመራርሓታትን ውፅኢት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንቀፃሊ ወፍሪ ንባዕልኻ ድሉው ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ጀጋኑ ምፍራይ ከምዝተኸኣለ፣ ንቀፃሊ ወፍሪ እኹል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment