እዚ ምብራቕ ኣብ ውግእ ዝሐሸ ውፅኢት ንዘምፅኡን ፃንሒት እዋኖም ዝሸፈኑን ኣባላቱ ዕቤት መኣርግ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምብራቕ ኣብ ውግእ ዝሐሸ ውፅኢት ንዘምፅኡን ፃንሒት እዋኖም ዝሸፈኑን ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ዕቤት መኣርግ ሂቡ።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝኸፈቶ ኲናት ብምውጋእን ኣዋጋእቲ ብምዃንን፣ ልዕሊ ፀላኢ ልዑል ክሳራ ክበፅሖ ዝገበሩን ፃንሒት እዋኖም ንዝሸፈኑን ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኢዩ ዕቤት መኣርግ ተዋሂቡ ዘሎ፡፡

መዓርግ እንትውስኽ ዝበለፀ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ከምዝውስኽ ዝገለፁ ዋና ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሌ/ጀነራል መሓመድ ተሰማ፥ “ቀፃሊ ልኡኽቱኡም ብዝለዓለ ኩነታት ንምውፃእ ንባዕልኹም ትዳለዉሉን ትዋፀኡሉን፣ ብቕዓት ኣመራርሓኹም፣ ልምድኹምን ክእለትኩምን ተዕቢዩሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ትካል ልዑል እምነት ተነቢሩልኩም ዝተውሃበኩም ዕቤት ምዃኑ ብምግንዛብ ንሃገርኩምን ንህዝብኹምን ተኣመንቲ ብምዃን ግቡእኹም ብናፅነትን ጅግንነትን ክትዋፅኡ ይግበአኩም” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment