እዚ ምብራቕ ኣብ መላእ ሃገር ብምውፋር ዶብ ዘኽበረ ጅግና እዚ ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሓደ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ እዚ ምብራቕ ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ሃገርና ጥራሕ እንተይተወሰነ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብምውፋሩ ዶብ ኢትዮጵያ ዘኽበረ ጅግና እዚ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ መበል 47 ዓመት በዓል ምስረታ እዚ ምብራቕ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ፤ ንኣመራርሓ ሰራዊት እዚ ምብራቕ፣ ኣባላትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ዶብ ሃገሩ እናሓለወ ዝነበረ እዚ ምብራቕ ከምወትሩ ታሪኹ ክቕፅል ኣብ ምግባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ኣብ ቀፃሊ እውን ሃገርኩም ካብ ፀላኢ ከምትከላኸሉ እምትና ኢዩ፤ እቲ ትካል ብኣኹም ይኾርዕ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment