እዚ ምብራቕ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)እዚ ምብራቕ ንሻምናይ ግዘ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወፍሪ ፅሬት፣ ልገሳ ደምን ፓነል ምይይጥን ብምክያድ ኣብ ከተማ ሃረር ኣኽቢሩ።

ኣብቲ ፓነል ምይይጥ ዝተረኸቡ ዋና ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ጀነራል ዘውዱ በላይ፥ እቲ ሰራዊት ዘጋጥሙዎ ፀገማት ብምሕላፍ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኸዓስል ብዕቱብ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥሙ ፀገም ፀፅታ ንምክልኻል ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መልክዑ ብትዕግስቲን ብጥንቃቐን እቶም ፀገማት እናፈትሖም ከምዝርከብ ብምግላፅ፥ እቲ ሰራዊት ሓድነቱን ድልዉነቱን ብምጥንኻር ንህዝቢ ዘለዎ ውግንና ዳግም ዘረጋግፀሉ እዋን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፍፀሙ ኣካላዊን ንዋታዊን መጥቃዕቲታት ሕጊ መሰረት ብምግባር ናይ ምክልኻል ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ እውን ገሊፆም።

ኣቢዚ ዓመት ምስ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ፀገማት ንምፍታሕን ሰላም ሕብረተሰብ ንምርግጋፅን ዝስርሑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዘተ ካብ ክልል ሃረሪ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ክልል ሰላም ንኸዓስል ትዕግስቲ ብዝተመልኦ መገዲ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ውፅኢት እናምፀአ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ሓላሓሊፎም ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠሩ ፀገማት እንተይ ተበኣኣሱ መዕለቢ ንኽረኽቡ ኮሚቴ ዕርቂን ሽምግልናን ብምጥያሽ ብፅሒቶም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ምግላፆም እውን ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ሃረሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment