እዋናዊ ከይዲ ፍሪያት ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋናዊ ከይዲ ፍሪያት ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ፥ ጄፒ ቴክስታይልን ሲልቨርስፕሪንግን ዝተብሃሉ ክልተ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ከይዲ ፍሪያቶም ተዓዚቦም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ምስ ሓለፍቲ እተን ኩባኒያታት ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 11 ኣዋርሕ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልስን ከምዝተሳለጠ ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment