እኹል ፍሪያት ጣፍን ስርናይን ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እኹል ፍሪያት ጣፍን ስርናይን ከምዘሎ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ሎሚ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምኻነ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እኹል ፍሪያት ጣፍን ስርናይን እኳ እንተሃለወ ዘይሕጋዊ ነጋዶ መስ ደለልቲ ብምዃን ዕዳጋ ከምድላዮም ይዝውርዎ ኣለዉ ኢሉ።

ስለዝኾነ እቶም ሽርሒ ዝፍፅሙ ዘለዉ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምስ ጣፍ በዝተዛመደ ምንም ዓይነት ተፍቲሽ ንከይህሊ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመ ፀገም ነምፍታሕ ካብ ክልላት ብበዝሕን ርየትን ንምእታው ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ መግለፂ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፣ ኣመራርሓ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምኡወን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኢትዮጵያ ተረኺቦም።

ብፈቲያ ዓብደላ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment