እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ትግበራ ስግግር ፍትሒ ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ፃዕሪታት ስግግር ፍትሒን ሃገራዊ ዘተን ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ኣሊሰን ብላክበርን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፣ እዋናዊ ኩነታ ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ሰላምን ፀፅታን ከምኡ እውን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ትኹረት ብምግባር ተመያይጦም፡፡

ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣቢሎም ዝግበሩ ፃዕሪታት ከምኡ እውን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣብ ምስፍሕፋሕ ክሕግዞም ኣብ ዝኽእለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም።

እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ፃዕሪታት ስግግር ፍትሒን ሃገራዊ ዘተን ንምድጋፍ መንግስቲ ሃገረን ቆራፅ ከምዝኾነ ምርግጋፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment