ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶዝ አስትራዜኒካ ክታበት ኮቪድ 19 ድጋፍ ከምዝገበረት ገሊፃ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ÷ ምስ ተወካሊ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ አሌክስ ካሜሮንን ዳይሬክተር ኣዶታትን ህፃናትን ዶክተር መሰረት ዘላለምን ኣብ ጣቢያ ጥዕና ኮተቤ ዘሎ ስራሕቲ ክታበት ኮቪድ 19 ብዝምልከት ዑደት ገይሮም።
ዶክተር ደረጀ ዱጉማ÷ ናይ እንግሊዝ መንግስቲ ብኮቫክስ ናይ ክታበት ጥምረት ኣቢሉ ክሳብ ሐዚ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶዝ ኣስትራዜኒካ ድጋፍ ከመዝገበረ ገሊፆም።
ንዝተገበረ ድጋፍ ድማ ኣመስጊኖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ እንግሊዝ ኣምባሳደር ተወካሊ ኣሌክስ ካሜሮን ብግደኦም÷ ናይ እንግሊዝ መንግስቲ ብኮቫክስ ክታበት ዓለም ለኸ ተበፃሒ ንምግባር ንኣባል ሃገራት እቲ ጥምረት 20 ሚኢታዊ ዜጋታት ክትባት ክታበት ንምብፃሕ ትልሚ ከምዘሎ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።