እንግሊዝ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሓገዝ ክትገብር ምዃና ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ዶሚኒክ ራብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምሕጋዝን ንምህናፅን እንግሊዝ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት ዝዝከር እነውትኸውን፥ እንግሊዝ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንሰለስተ ሃገራት ሓገዝ 3 ሚሊየን ፓውንድ ስተርሊንግ ከምትገብር እውን ኣብሪሆም፡፡

ብብቢሲ ሚዲያ ኣክሽን ዝምራሕ እንትኸውን ሓገዝ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ምሕጋዝ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ንምቁፅፃር ከምዘኽል ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሰሒ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያን ሚዲያታት ኣብ ዝከታተል ሕብረተሰብን ዘሕደሮ ፅዕንቶ ዘመላኽት እንትኸውን፥ እተን ትካላት ብፋይናንስ ርእሰን ንኽኽእላ ምግንዛብ ኢዩ፡፡

እንግሊዝ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትህቦ መህነፂ ዓቕሚ፥ ኣብ ማዕበልቲ ሃገራት ትገብሮ ሓገዝ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ኤምባሲ እንግሊዝ ዘውፀኦ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment