እንድሕር ተጊህና ኢትዮጵያ ካብ ርዳእታ ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

እንድሕር ተጊህና ኢትዮጵያ ካብ ርዳእታ ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እንድሕር ተጊህና ኢትዮጵያ ካብ ርዳእታ ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቆላማ ከባታት ምብራቕ ሃረርጌ እናለምዐ ዝርከብ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ተመልኪትና ኢሎም።

ምትጋህ፣ ምስራሕን ክንርኢን እንተኽኢልና ኢትዮጵያ ካብ ርዳእታ ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

እሲ ስራሕ ኣጠናኺርና ንቐፅል ክብሉ እውን ምልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላሊፎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment