እንኳዕ ንብርሃነ ጥምቀቱ ብሰላም ኣብፀሐኩም -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ጥምቀት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ካብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ጉዳያት ብተወሳኺ ንጉዕዞ ደቂ ሰባት ጠቐምቲ ዝኾኑ ነገራት ንክንሓስብ ሓደራ እብል ኢሎምጠቐምቲ ዝኾኑ ነገራት ንክንሓስብ ሓደራ እብል ኢሎም።

ከም ሃገር እንሰርሖም ስራሕቲ ክልተ ዓላማ ዘለዎም ኢዮም ብምባል፥ ሃገር ናይ ምድሓንን ንካልኦት መገዲ ናይ ምርኣይን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብብዙሕ ፀገማት ዝሓለፈት ሃገር ብምዃና  ክርስቶስ ንኣዳም ከምዝሓዘነሉ ዝሓዝነላ ትደሊ ኢያ ኢሎም።

ብተወሳኺ ክርስቶስ ከም ኣዳም ብምዃን ሸኽሙ ከምዝተሸከመሉ ልክዕ ፆራ ዘቕልላ ከምእትደሊ እውን ተዛሪቦም።

ሎሚ ሃገር ንምድሓን እንትንሰርሕ ኣብ ልዕሊ ሃገር ተወሳኺ ቁስሊ ንምምፃእ ዝሰርሑ ኣለዉ፤ ተሳዒሮም ምትራፎም ግን ዘይተርፍ ኢዩ ኢሎም።

ሃገር ንምድሓን እንሰርሖም ስራሕቲ ብርሃኖም ኩልዕ ኢሉ ሎሚ ዘይክረአ ይኽእል ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ ድሕሪ ጥምቀት ንኹሉ ከምዝተገለፀ ትንሳኤን ህዳሰን ኢትዮጵያ እውን ንኹሉ ግልፂ ዝኾነሉ እዋን ክመፅእ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ዝጀምርናዮም ትልሚታት ልምዓት ዕላመኦም መገዲ ንምርኣይ ኢዩ ብምባል፥ ስብራት እናፀገንና፣ ሃገር እናድሓንና፣ መገዲ እናኸፈትና ምጉዓዝና ክንቅፅል ኢና ኢለም።

እቲ ጅምር ትሑት እኳ እንተኾነ ፍፃምኡ ግዙፍ ስለዝኸውን ካብ ጥምቀት ዝተምሃርናዮ እዚ ኢዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment