ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፌዴሪኢ መበል 1 ሺሕን 443 ዓመተ ሒጅራ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ ዓረፋ ምኽንያት ብምግባር ንሕብረተሰብ ሙስሊሙ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ ዓረፋ እንትንሓስብ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮና ዝመፅእ ብመንፈሳዊ ይኹን ብስጋዊ ዓለም ዕቤት ዝመፅእ ኣብ እዋን ፈተና ብፅንዓት ንምሕላፍ ብምውሳን ምዃኑ ኢዩ” ኢሎም።
ናይዚ ዓመት በዓል ዓረፋ ዝኽበር ጥንካረ ስነ-ልቦና ብዝፍትኑ ኣጋጣሚታት ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ገሊፆም።
“ዓረፋ በዓል መስዋእቲ ስለዝኾነ እቲ በዓል ምስ ሙስሊም ዜጋታትና እንትነኽብር መስዋእቲ ንምዃን ድሌት ምርኣይ ጥራሕ ከም ሃገር ዘጋጥሙና ፈተናታትን ሓደጋታትን ከወግደልና ክዘይኽእል ብምሕሳብ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ እዋኑ ክሳብ መወዳእታ ፀኒዕኻ ምሕላፍ ዘድሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም “ካብ ነብዩ ኢብራሂም ሰናይ ተግባር ተማሂርና በዓል ዓረፋን ድሕሪኡን ዘለዉ መዓልቲታት ብምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ክነሕልፍ ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com