እንትንውረር ድምፆም ዘይተሰምዐ ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ሓቂ መሰረት ብምግባር እንትንብገስ ዋዕዋዕን ፅዕንቶን ብዙሕ ኢዩ-ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እንትንውረር ድምፆም ዘይተሰምዐ ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ሓቂ መሰረት ብምግባር እንትንብገስ ዋዕዋዕን ፅዕንቶን ብዙሕ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኤግዚብሽን ዲፕሎማሲ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምርካብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ በቢዘበኑ ዘጋጠሙና ፈተናታት ብምፅዋር ብሄራዊ ረብሓና እናኽበርና ዝመፃእናዮ ብሓድነትና ኢዩ ኢሎም።

ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ዝነበሩ ብዙሓት ፈተናታት ብምፅዋር ዝዘለቕናዮ ብናይ ህዝብና ፅንዓትን ሓድነትን ኢዩ ኢሎም።

ፅኑዕ ህዝቢ ብርቱዕ ሃገር ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝረኣዩ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ብሄራዊ ረብሓና ብዘላቕነት እነኽብረሉ ውሽጣዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ካብ ታሪክ ከምዝተምሃርናዮን ኣብዚ ሐዚ እዋን እንርእዮ ካብ ዘለናን ናይ ሃገርና ምጥንካር ብእወንታ ዘይርእዩ ሓይሊታት ኣለዉ ኢሎም።

እንትንውረር ድምፆም ዘይተሰምዐ ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ሓቂ መሰረት ብምግባር እንትንብገስ ዋዕዋዕን ፅዕንቶን ብዙሕ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ደመቀ መኮነን።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment