እንትንተሓባበር ንኢትዮጵያ ክብ ክነብላ ንኽእል ኢና – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ኮንፈረንስ ማሕበር ልምዓት ኦሮሚያ ኣብ ፓርክ ሓድነት ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ብሓባር ምትሕግጋዝ ንኢትዮጵያ ክብ ምባል ከምዝከኣል ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም፥ “ኣብዚ መዓልቲ ክንበፅሕ ዝኸኣልና ከም ሃገር ዓቢዪ ዋጋ ከፊልና ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ዝረኸብናዮ ዓወት ብሓባር ክንከናኸን ኣለና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደገን ብውሽጢን ዘንፀላለዉና ፀገማት “ሓደ እንተኾይንና ንምሕላፍ ዝኽልክለና ኣካል የለን” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ኣክኒውሚ ኣዲሲና ብግደኦም፥ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ሕጉስ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ባንኪ ክሳብ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ እናገበሮም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ፣ ሓይሊ፣ ትራንስፖርትን ንፅህናን ከምኡ እውን ካልኦት ዘፈራትን መሓዛ ብምዃን እናሰርሐ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment