እንምነያ ኣፍሪካ ንምህናፅ ንዓውዲ ትምህርቲ ዝስላዕ ሃፍቲ ክብ ምባል ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣጀንዳ 2063 እንምነያ ኣፍሪካ ንምህናፅ ንዓውዲ ትምህርቲ ዝስላዕ ሃፍቲ ክብ ምባል ይግባእ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ዓመተ ትምህርቲ ብዝብል ዝተሰየመ እንትኸውን፥ “ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፣ ዘይብድሁ ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለ መዳይ፣ ፅርየትን ኣግባብነትን ናይ ህይወት ዘበን ዘለዎ ተበፃሕነት ትምህርቲ ምስፋሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ምፍላጥን መብራህን መርሃ ገብሪ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ከምኡውን ዲፕሎማታት ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ኣጀንዳ 2063 እንምነያ ኣፍሪካ ንምህናፅ ንዓውዲ ትምህርቲ ዝስላዕ ሃፍቲ ክብ ምባል ይግባእ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment