እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ሉኣላዊነት ሃገር ናብ ሓደጋ ዘውደቐ ጉጅለ ሃዲንካ ንመሓዝ ዝዓለመ ኢዪ – ዶክተር ቀነኣ ያደታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ሉኣላዊነት ሃገር ናብ ሓደጋ ዘውደቐ ጉጅለ ሃዲንካ ንመሓዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ገሊፆም።

ዶክተር ቀነኣ ያደታ፥ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ እናፈነዎ ዝርከብ ወረን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ጉጅለ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኲናት ሕድሕድ ኣምሲሉ ምቕራቡ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ጌጋ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ናይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ እንተይደለየ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንምድምሳስ ዘኽእል ቁመና ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ሰራዊት ምክልኻል ዝወስዶ ስጉመምቲ ምኽባር ሕጊ ብጥንቃቐ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኢዮም ዝገለፁ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብምግንዛብ ንጉድኣት ከይቃላዕ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ህዝቢ ነቲ ሰራዊት ዘርእዮ ዘሎ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት ልዑል ዓወት እናሓፈሰ ከምዝርከብ ድማ እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፆኦም ኣብሪሆም።

ብሃብታሙ ተኽለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment