እናተኸልና ነንብብ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተኸልና ነንብብ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ካብ መፅሓፍ፥ “ዳንኤል ክብረት፤ የትርክት ዕዳና በረከት፤ 2016፤ ገጽ 522-523” ብዝብል ዘካፈልዎ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስልጣነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ኣተኣናጊዳ። ኩሉ ነዛ ሃገር ሎሚ ዘበርከቶ ክብሪ ኣሎ። ይኹን እንበር ኩሉ ክበሃል ብዝኽእል ኩነታት ንብዙሕ ዓማውቲ ውሑድ ፈራሕ ዘበን ዝኣክል ሓደ ስርዓት መንግስቲን ናይ ህይወት ብልሓትን ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ዘበን ዝደመቐን ግኑንን ስርዓት “ሃልዮታዊ” ማዕቐፍ ምቕያር ብዘይምኽኣሉ ናይ መንግስታት ግኑንነት በቢዘበኑ እናኣንገደን ናይ ማሕበረሰብ ናብራ እናሰየበ ንክመፅእ ምኽኒያት ኮይኑ ኢዩ።

100 ዓመት ዘይተሻገረ ዘበናዊ ስርዓት ፖሊቲካ ኢትዮጵያ፣ ኣተሓሳሰባዊ ማዕቐፋት “እንከን” ዝበዝሐሎምን ዘይፀረዩን ምዃኑን፣ ኣብ ዘበናዊ ዓለም ናብ ድሕሪት ኣትሪፉና። ህፁፅነት ኣብ ዝበዝሖምን  ብቀንዱ እውን ካብ ወፃኢ ዝተቐድሑ ኣተሓሳስባታት ንምፍራይ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ፣ ኢትዮጵያ ንፍርቂ ክፍለ ዘበን ክትሕቆን ፀኒሓ ኢያ። መራሕታ ንሕማማ ዘይኸውን ፈውሲ እናሃብዋ ተፈራሪቖም ኢዮም።

እና ሎሚ ሕማማ ብዝግባእ ዝተረደአን ብዘላቕነት ዝፍውስን ሓኪምን መድሓኒትን ትደሊ። ይኹን እንበር “ከባለቤቱ ያወቀ ቡዳ ነው” ንከይኸውን፣ ናይ ሃገርና ሕማም ውሽጣዊ ኢዩ እሞ መድሓኒቱ ወን ውሽጣዊ ምዃንን የድሊ። ዘይግቡእ ፈውሲ ካሊእ ሕማም እናምፀአላ ክትሳቐ ፀኒሓ ኢያ። ካብ ጭንቅን መከራን ንምግልጋል ኣብ ዝደለየትሉ እዋን ግቡእ ፈውሲ ረኺባ ኣይትፈልጥን። ዝወሰደቶ እናደገሳ ወይ ተወሳኺ ሕማም እናፈጠረላ ዘበናት ተቖፂሩ ኢዩ።

ምድማር ንምንታይ? ነምንታይ ሐዚ ኣድሊዩ? ኢልና ንሕተት። ናይ ተቓርኖ ያታታት ዕዳ እነበር በረከት ከውርሰና ኣይከኣሉን። ናይ ልቓሕ ያታታት ንውልቃዊ ጉጅላዊ ባህጊ ረብሓ ኣሐልዩ እንበር ንሓበራዊ ሃገራዊ ልዕልነትና ኣይጠቐሙናን።

ናይ ልቓሕ ኣተሓሳስባታት ናይ ተውልዲ ዕዳ ካብ ምንዋሕ ዝሓለፈ ረብሓ ኣየምፀአን። ዘዛምድ ታሪክን ስልጣነን እንተሃለወ እውን ዘዛምድ ተረኽ/ያታ ጠፊኡ ደም ዘፋስስ ሃገር ኣፍራሲ ያታ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ። ሓዱሽ ኣተሓሳስባ፣ ሓዱሽ መገዲ፣ ሓዱሽ ተረኽ ኣድሊዩ። ምድማር ተወሊዱ። ተፈላሊና ወዲቕና ኢና። ተደሚርና ናይ ተረኽ ዕዳ ብተረኽ በረኸት ንምቕያር ምድማር ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድን ኢዩ።

ዳንኤል ክብረት፤ የትርክት ዕዳና በረከት፤ 2016፤ ገፅ 522-523

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment