እናተተግበሩ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ሓይሊ ሓሳብ ወሳኒ ከምዝኾነ ትምህርቲ ዝውሰዶም ኢዮም – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበሩ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ሓይሊ ሓሳብ ወሳኒ ከምዝኾነ ትምህርቲ ዝውሰዶም ከምዝኾኑ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኮይሻ ዝኾነ ዳና ሎጅ ሓርማዝ ጨበራ መሪቖም ምኽፋቶም ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዓቕሚ የሃልዋ እምበር ናብ ልምዓት ኣብ ምልዋጥ ክፍተታት ኣለዉ።

ነዚ ድማ በቢከባቢኡ ዘለዉ ዓቕሚታት ብግቡእ ብምርኣይ፣ ዓቕሚታት ናብ ጭቡጥ ሃፍቲ ብምልዋጥ ተረባሕነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ውስንነት ኣመራርሓ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ብፍላይ ናይ መራሕቲ ምፍልፋል ሓሳብ ከምኡ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ትሑት ከምዝነበረ ፀሪሖም።

ብኻሊእ መዳይ አብ መሰረታዊ ጉዳያት ምርድዳእ ዘይምፍጣሩ ስዒቡ ብዝለዓሉ ጎንፂታት ዝመፅእ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ፀጋታት ንምጥቃም ዕንቅፋት ከምዝነበረ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ዓቕሚታ ፀንቂቕካ ንምጥቃም ኣመራርሓ ግድኡ ንኽዋፃእ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ውፅኢታዊ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመንፅር እዚ ብፍላይ ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ዝተመረቐ ዳና ሎጅ ሓርማዝ ጨበራ ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ተፀራሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበሩ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ሓይሊ ሓሳብ ክንደይ ዘኣክል ወሳኒ ከምዝኾነ ትምህርቲ ዝውሰዶም ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ብፍላይ ፀጋታት ተፈጥሮ ኣብ ጉዕዞ ምዕባለ ሃገር ብኸመይ ምጥቃም ከምዝግባእ ዓበይቲ መርኣያታት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment