እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ተወሳኺ ብምስራሕ ዝተውሃበና ሓላፍነት ንምውፃእ ክንሰርሕ ኢና – ሓጋዚ ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ዝተሸሙ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓጋዚ ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ካብ ነበር እቲ ሚኒስትር ዶክተር ኣብረሃም በላይ ርኽክብ ስራሕ ገይሮም።

ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ኮይኖም ዝተሾሙ ዶክተር ኣብረሃም በላይ፥ “ሃገርና ንቕድሚት ንምስጋር ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ምስራሕና ክንቅፅል ኢና” ኢሎም።

ንሓዱሽ ዝተሾሙ ሚኒስትር እውን ሰናይ ዘበን ስራሕ ተመኒዮምሎም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓጋዚ ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተወሳኺ ነገር ብምስራሕ ሃገርን ህዝቢን ንምግልጋል ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ብቕብብል እናተመርሐ ኣብዚ ብርኪ ዝበፅሐ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ውፅታዊ ስራሕ ንምስራሕ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment