እኒ ጃዋር መሓመድ ጉዳይና ኣብ ቀረባና ብዘሎ መጋባእያ ይረኣየልና ኢሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ውድቂ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ጉዳያት ገበናት ሕገመንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን ጉዳይ እኒ ጃዋር መሓመድ ተመልኪቱ።

ቅድሚ ሕዚ ኣይተ ጃዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፣ ሃምዛ ኣዳነን ሸምሰዲን ጠሃን ብዘቕረቡዎ ናይ ፅሑፍ ስምዕታ፥ “ንድሕንነትና ስለንሰግእ መጋባእያ ኣብ ቀረባና ይኹነልና” ክብሉ ምሕታቶም ይዝከር፡፡

ነዚ ዝመርመረ መጋባእያ ሕቶኦም ውድቂ ብምግባር ጉዳዮም ኣብ ዘለዎ ንኽረአ ኣዚዙ፡፡

ን4 ጥሪ 2013 ዓ.ም ድማ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኣርባዕቲኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ናይሎሚ መዓልቲ መጋባእያ ዘይተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ መዝገቦም ዝተኻተቱ ዝተረፉ ካልኦት ሰባት ግን ተረኺቦም ኢዮም፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment