እኒ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ 5 ተኸሰስቲ፤ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽረይ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኮይኖም ይመስክሩለይ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ውድቂ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እኒ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ተኸሰስቲ፤ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽረይ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኮይኖም ይመስክሩለይ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ውድቂ ኮይኑ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 1ይ ጉዳያት ገበን ሕገመንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን መጋባእያ ምድብ ልደታ፥ መቃወሚ ክሲ ተኸሰስቲ ስዒቡ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መልሲ ተመልኪቱ ትእዛ ንመሃብ ንሎሚ መዓልቲ ቆፀሮ ሂቡ ነይሩ።

ዓቃቢ ሕጊ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ቆፀሮ ዘቕርቦም መሰኻኽረይ ንድሕንነቶም እንትበሃል ብመሰረት ኣዋጅ ሓለዋ መሰኻኽር ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኮይኖም ክምስክሩለይ ክብል ምሕታቱ ስዒቡ፤ ተኸሰስቲ ኣብ ድሕሪት መጃገራ ዝብል ሓሳብ ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ ተቓውሞ ምስመዖም ይዝከር፡፡

ምስክር ምስማዕን ምርኣይን እንተዘይክኢሎም መስቀላዊ ሕቶ ንምቕራብ ከዝፅገሙ፤ እቲ ምስክር ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኮይኑ እንትምስክር ተወሳኺ ሰነድ ሒዙ እናንበበ ስለምዃኑ ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘይህሉ ብምግላፅ ተቓዊሞም ተኸራኺሮም ነይሮም።

ብመሰረት እዚ ቤት ፍርዲ ነቲ መዝገብ መርሚሩ፥ መሰኻኽረይ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኮይኖም ምስክሮም የስምዑ ዝብል ሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ውድቂ ገይሩዎ።

ብዝተትሓሓዘ ዜና ኣብቲ መጋባእያ ዘይተረኸቡ 6ይን 7ይን ተኸሰስቲ ቅድሚ ሕዚ ፖሊስ ፌዴራል ኣተኣላሊሹ ንኸቕርብ ብዝተኣዘዞ መሰረት ፖሊስ ኣድራሸኦም ክረክብ ኣይከኣልኩን ብምባሉ ቤት ፍርዲ ክሶም ንኽቋረፅ ትእዛዝ ሂቡ።

እቲ ዝተመሓየሸ ክሲ ንምጥብባቕ ድማ ን13 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment