እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ዳይና ይቀየረልና ኢሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ናይ ክሲ መዘገቦም ዝሓዘ ዳይና ንኽቕየረሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ተነፂጉ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ንዘቕረቡዎ ስምዕታ መርሚሩ ብይን ሂቡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ዝቐረበ ስምዕታ ብመረዳእታ ዝተሓገዘ ኣይኮነን ብምባል ሕቶኦም ነፂጉዎ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ እቲ መጋባእያ ቅድሚ ሕዚ ብዝነበረ ዳይና ክረአ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ውሽጢ መዝገብ እኒ ጃዋር መሓመድ ዝርከቡ 14 ሰባት ሎሚ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ይኹን እምበር፥ ዳት ኣብደታ ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ብለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተጠርጢሩ ናብ መጋባእያ ኣይቀረበን።

እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ብቅድሚ ትማሊ “መዝገብና ዘሓዘ ዳይና ይለዓለልና” ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም ምንባሮም ይዝከር።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment