እኒ ኣይተ ጃዋር ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 8 ተጠርጠርቲ ን22 ነሓሰ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ናይ ሸሞንተ ተጠርጠርቲ ዝተረፈ ምስክር ቅድመ ርመራ ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ ቆፂሩ ዝነበረ ይኹን እምበር ካብ 4ይ ክሳብ 9ይ ዘለዉ ተጠርጠርቲ ውፅኢት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ስለዘየ መፅአ ን22 ነሓሰ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኸቡ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ኣብ ወፃኢ ምስ ዝርከቡ ደቆምን በዓልቲ ቤቶምን ሓደ ግዘ ጥራሕ ብቪዲዮ ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ መሊሶም ክራኸቡ ንኽፍቀደሎም ሓቲቶም።

ቤት ፍርዲ ብግድኡ ኣብቲ ዝቀረበ ህቶን ካልኦት ስምዕታታትን ኣብ ዝቕፅል ቆፀሮ ውሳነ ክህበሎም ኢየ ኢሉ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment