እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዓምዲ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ዝነበሩ ትካላት ብምዝራፍ ዝሰርሖ ሽርሒ ኣይርሳዕን – ሰብ ሃፍቲ ከተማ ድሬዳዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓምዲ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ዝነበሩ ትካላት ብምዝራፍ ዝሰርሖ ሽርሒ ከምዘይርሳዕ ሰብ ሃፍቲ ከተማ ድሬዳዋ ገሊፆም።

ካገርና ህፍትና፣ ሃፍትና ሃገርና ብዝብል መሪሕ ቃል፥ ሰብ ሃፍቲ ከተማ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻል ዘርአዩዎ ደጀንነት ኣፍልጦን ምስጋናን ተኻይዱ።

“ኢትዮጵያ ንምፍራስ ቆሪፁ ዝተልዓለ እቲ ጉጅለ ኣብ 27 ዓማውቲ መግዛእቱ ህዝቢ ብምግጫው ሓድነት ንምሽርሻር ካብ ዝሰርሖ ተንኮል ብተወሳኺ ኣርማ ድሬዳዋ ዝነበሩ ትካላት እናዘረፈ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ብዙሓት ነበርቲ እታከተማ መሰረት ናብራ ዝነበሩ ከም ምድር ባቡርን ፋብሪካ ዓለባ ድሬዳዋን ዝበሉ ትካላት ብምዝራፍ ዝፈፀሞ ሽርሒ ፖለቲካ ኢኮኖሚ ህዝቢ ድሬዳዋ ከምዘይርሰዖ እቶም ሰብ ሃፍቲ ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ኣሕመድ መሓመድ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ተረኺቦም።

ብሞሊቶ ኤልያስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment