እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ጨንፈር ደሴ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ንብረት ዘረፋን ዕንወትን ምብፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ጨንፈር ደሴ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ንብረት ዘረፋን ዕንወትን ምብፅሑ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ሰለስተ ዓበይቲ ጨንፈራት እቲ ኤጀንሲ ሓደ ዝኾነ ጨንፈር ደሴ ኣዚዩ ዘበናዊ ከምዝነበ ፀብፃብ ኣሚኮ የመላኽት።

መካየዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር እሸቴ ሹሜ ከምዝገለፁዎ፥ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ደሴ ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ ንዝርከቡ 60 ወረዳታት፣ 29 ሆስፒታላት፣ 308 ጣቢያታት ጥዕናን ከምኡ እውን ልዕሊ 45 ናይ ውልቀ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት እናሃበ ፀኒሑ ኢዩ።

ከም ገለፃ እቶም መካየዲ ስራሕ እቲ ዓቢዪ ጨንፈር ኣቕራቢ መድሓኒት ሙሉእ ብሙሉእ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘረፋን ዕንወትን ከምዝበፅሖ ኢዩ።

ልዕሊ 70 ብሲስተም ዝተትሓዙ ኮምፒተራት እውን ሙሉእ ብሙሉእ ተወሲዶም ኢዮም።

ብቁፅሪ ካብ 80 ክሳብ 100 ሚሊየን ዝበፅ ክታበት ህፃናት ዝተዘረፉ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ህፃናት ግቡእ ኣገልግሎት ክታበት ከይረኽቡ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዘዋፈሮም ሰብ ሞያታት ኮነ ተባሂሉ ዝተዘረፉን ዝዓነዉን ከምዝኾኑ ኣይተ እሸቴ ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment