እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከቡ ፋብሪካታት ፍርያታትን እታወታትን ዘሪፉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከቡ ፋብሪካታት ፍርያታትን እታወታትን ከምዝዘረፈ ተገሊፁ።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝዓነዉን ዝተዘረፉን ፋብሪካታት ተዓዚቡ።

ኣብ ከተማ ኮምቦልቫ 200 ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃን ኣልማዕቲ ሃፍቶም ከምዘፍሰሱ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 37 ዝኾኑ ፋብሪካታት ፍርያት ምፍራይን ናብ ወፃኢ ምልኣኽን ከምዝጀመሩ ሓላፊ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን እታ ከተማ ኣይተ ኣባይነህ ኣበበ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሓላፊ ከምዝሓበሩዎ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ውሽጢ እቶም ፋብሪካታት ዝርከቡ ፍርያታትን እታወታትን ዘሪፉ ኢዩ፡፡

ማእኸለዎትን ልዑላትን ኣፍረይቲ ኢንዱስታሪታት ብንቃልን ብምብልሻውን ክሰርሑ ከምዘይኽእሉ ከምዝገበሮም እውን ተዛሪቦም።

እቶም ፋብሪካታት ልዕሊ 8 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ ከምዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ዜጋታት ንፀገም ከምዝተቓልዑን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ማሽኖም ከቢድ ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዝበፅም ፋብሪካታት፥ ኢቲ ዉድ ፋብሪካ ችቡድ፣ ፋብሪካ ከረጢት ኣማር ፒፒ፣ ፋብሪካ ቆርኪ ዋሊያን ማሕበር ልምዓት ደኒ ኣምሓራን ይርከቡዎም።

ምምሕዳር እታ ከተማ እቶም ፋብሪካታት መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታው መጠን ጉድኣቶም እናፃረየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብፈቲያ ኣብደላ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment