እቲ ኮማንድ ፖስት ልኡኽትኡ ብቖራፅነት ብምውፅኡ ኣንፃራዊ ሰላም ከምፅእ ክኢሉ – ጄኔራል ኣበባው ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ህዝቢ እቲ ክልልን እቲ ኮማንድ ብዝወሰዶ ዝተዋደደ ስጉምቲን ኣንፃራዊ ሰላም ከምፅእ ከምዝኸኣለ ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጄኔራል በባው ታደሰ ገሊፆም።

ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ምስ ልዕለዎት መራሕቲ እዚ ሰሜን ምዕራብ፣ መራሕቲ ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ጎንደር፣ ምምሕዳር ከተማ ጎንደርን መራሕቲ ኮማንድ ፖስት ወረዳን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን ቀፀልቲ ኣንፈታታትን ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

እዋነዊ ኩነታ ሰላም ብልዑል ኩነታት ምምሕያሽ ኣርኢዩ ኢዩ ዝበሉ ጄኔራል ኣበባው÷ እቲ ፅንንፈኛ ሓየሊ ብዝተወሰዶ ስጉምቲ ዓቕሚ ብምስኣኑ ናይ ሽፍታ ባህሪ ንምልባስ ከምዝተገደደ ገሊፆም፡፡

“ኮማንድ ፖስት ባኅርዳር-ጎንደር ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ብዝወሰዶ ስጉምቲን ብዝፈፀሞ ዘኹርዕ ገድሊን ምትእስሳር ኔትወርክ እቲ ጉጅለ ተበጣጢሱ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ክልል ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብዘላቕነት ክቕፅል ንምግባር በቢብርኩ ዝርከቡ መራሕቲ ሓላፍነቶም ብቖራፅነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment