እቲ ኮሚሽን ፅባሕ ኣብ ክልል ሲዳማ ዝጅምሮ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ስራሕ ዝጠመተ መግለፂ ሂቡ።

ዕጡቓሕ ሓይሊታት ሰለማዊ መገዲ ብምምራፅ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ንክሳተፉ ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓሕ ሓይሊታት ሰለማዊ መገዲ ብምምራፅ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ንክሳተፉ ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ኢዩ ክብል ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር መሓሙድ ድሪር፥ ዕጥቂ ዝሓዙ ወገናት ኣብ ከይዲ ዘተ ብምስታፍን ብምዝታይን ሕቶታቶም ንክሓቱ ተደጋጋሚ ፃውዒት ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ እቲ ከይዲ ዕዉት ንክኸውን ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ከለላ ብምሃብ፣ ሰለማዊ መገዲ ብምኽታልን ተሳትፎ ተደራደርቲ ብምክታትን ንዕዉትነት ሃገራዊ ዘተ ጠመተ ሂብካ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ብመሰረት ሃገራዊ ኣፍልጦን ባህሊን ጎንፅታት ዝፍትሑሉ መገዲታት ስለዘለዉ እቲ ኣማራፂ ብምጥቃም ኣብ ከይዲ ዘተ ምስታፍ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ገሊፆም።

መራኸብቲ ሓፋሽ እወን እቲ ግንዛበ ብምጭባጥ ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment