እቲ ኮሚሽን እታወታት ሕክምናን ኣፋውስን ናብ ትግራይ ምብፅሑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መድሓኒትና እታወታት ሕክምናን ናብ ትግራይ ከምዝበፅሐን 107 ሜትሪክ ቶን ተወሰኽቲ ኣፋውስ ንምብፃሕ ምድላው ተዛዚሙ በረራ ካርጎ እናተፀበየ ከምዝኾነን ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ፍቓድ ብዝረኸቡ ሰብኣዊ ትካላት ኣቢሉ ካብ ወርሒ ጥ ጀሚሩ ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን እንበፅሖም ከምዝኾነ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ገሊፆም፡፡

“ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ ድማ ኣብ ስራሕቲ ሓገዝ ዝተዋፈሩ፤ ኢንተርናሽናል ኮሙኒቲ ኦፍ ሬድ ክሮስ፣ ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ፣ ፕላን ኢንተርናሽናል፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ሴቭ ዘ ቺልድረንን ዩኒሴፍን ሓዊሱ ሸሞንተ ዝኾ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ናብ ትግራይ ኣፋውስ ከምዘእተዉ ተረጋጊፁ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ብኢንተርናሽናል ኮሙኒቲ ኦፍ ሬድ ክሮስ፣ ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያን ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣቢሉ 41 ሜትሪክ ቶን ኣፋውስን እታወታት ሕክምናን ናብ መቐለ ከምዝበፅሐ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም፡፡

ካብቲ ዝተለኣኸ ብተወሳኺ ክታበትን ካልኦት እታወታት ሕክምናን ሓዊሱ 107 ሜትሪክ ቶን ኣፋውስ ንምብፃሕ በረራ ካርጎ ትፅቢት እናተገረ ከምዝኾ ገሊፆም።

መንግስቲ ነቶም ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣድላዪ ፍቓድ ጉዕዞን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ከምዘረጋገፀሎም ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብቲ ከይዲ ምስቶም ትካላት ብምውዳድ መረጋገፂ ንኽረኽቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment