እቲ ኤጀንሲ ደምቢ ክዳን  ሰብ ሞያ ቁፅፅር ትራፊክ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲሰ ኣበባ ኤጀንሲ ማኔጅመንት ትራፊክ ምንቅስቓስ ትራፊክ እታ ከተማ ሰላማዊን ተቐባልነት ዘለዎን ንምግባር ባዓል ሞያታት ቁፅፅር ትራፊክ ዝኽደንዎ ክዳን ደምቢ ዕላዊ ገይሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ክበበው ሚደቅሳ፤ ባዓለ ሞያታት እቲ ክዳን ደምቢ ብግንዛበ ዝተደገፈ ስጡም ቁፅፅር ትራፊክ ብምግባር ብሓደጋ ትራፊክ ንዝበፅሑ ጉድኣታት ንምቕናስን ንምትራፍን ዓብይ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

እቲ ኤጀንሲ ኢፋ ዝገበሮ ባዓል ሞያታት ቁፅፅር ትራፊክ፤ ስራሕ ቁፅፅር ክዳን ደምቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ እንትኾን፤ እቶም ባዓል ሞያታት ክሳብ ሐዚ ክዳን ደምቢ ስለዘይነበሮም ኣንፀባራቒ ጥራሕ ተኸዲኖም ክሰርሑ ምፅንሖም ገሊፆም።

እዚ ምስ ካልኦት ትካላት ሰራሕተኛታትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ተመሳሳሊ ብምዃኑ ብፍላይ ኣሽከርከርቲ ቕሬታ የቕርቡ ምንባሮምን እቲ ዕላዊ ዝተገበረ ደምቢ ክዳን  ነዚ ዝፈትሕ እዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ እቲ ተመሳሳሊ ኣንፀባራቒ ክዳን ደምቢ   ብምኽዳን ኣሽከርካሪ ደው ብምባል፤ ተሸከርካሪ ሒዙ ክሳብ መስዋር ዝበፅሐ ተግባር ዘረፋን ስርቆትን ብተወሳኺ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፀገማት ንምቕራፍ ዝሕግዝ እዩ ምባሎም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment