እቲ ኤጀንሲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ 15 ሚሊየን ብር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝኸውን 15 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ እቲ ሓገዝ ካብ መላእ ኣባላት ኣመራርሓታት እቲ ትካል ዝተገበረ ብምዃኑ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክልል ዝበፅሕ ጉድኣት ግድኣትና ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሕዚ ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ካብ ምሕጋዞም ብተወሳኺ ደም ከምዝለገሱን ናብ ግምባር ንምዝማት ዝወሰኑ ኣባላት እውን ምድላው ተገይሩ ከምዝተፋነዉ ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍያለዉ ብግደኦም፥ ብግፍዒ ወረርቲ ዝተልዓለ ስቓይን ምንግልታዕን እናበፅሖ ንዝርከብ ህዝቢ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋና ከምዘቕረቡ ካብቲ ኤጄንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment