እቲ ሽልማት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሰላም እዚ ቀጠና ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ – ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ካብ ህዝብን መንግስትን ጁቡቲ ዝተበረከተሎም ናይታ ሀገር ናይ መወዳእታ ብርኪ ልዑል ኒሻን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሰላም እዚ ቀጠና ንዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ህዝብን መንግስትን ጁቡቲ ናይታ ሀገር ናይ መወዳእታ ብርኪ ልዑል ኒሻን ዝተበረከተሎም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ዱሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ጀኔራል ብርሃኑ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ  እንትበፅሑ  ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዶክተር ቀንዓ ያደታ ሓዊሱ ላዕለዎት  መኮንናት እቲ ሰራዊት አቀባብላ ገይረሙሎም።

ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ካብ ህዝብን መንግስትን ጁቡቲ ዝተበረከተሎም ናይታ ሀገር ናይ መወዳእታ ብርኪ ልዑል ኒሻን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሰላም እዚ ቀጠና ንዘበርክቶ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ ክንሉ ንግዜኢ ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጁንታ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝወሰደሉ እዋን ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት እቲ ቀጠና ክርበሽ ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዝነቨረን ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብዝሓፀረ እዋን ብዓወት ምዝዛሙ በተን ሃገራት ናእዳ ረሒቡ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment