ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ዝገበሩዎ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ናብ ዝተሰማደአሎም ካምፕ ምእታው ጀሚሮም፡፡
ንህዝቢ ኣብ ስቓይ እናእተወ ዝነበረ ገም ብሰላማዊ መገዲ ኣፈላላይ ፖለቲካ እውን ብዘተ ምፍታሕ ግቡእ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት ስምምዕነት ሰላም ከምዝተፈረመ ይፍለጥ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ናብ ዝተሰናደአሎም ካምፕ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ኦሮሚያ የመላኽት፡፡
እቶም ኣባላት ሰራዊት ናብ ካምፕ ምእታዎም እቲ ስምምዕነት ናብ ተግባር ምስግጋሩ ዘመላኽት ኢዩ ተባሂሉ፡፡