እቲ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያውያን ፀገሞም ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዝኽእሉ ዘረጋገፀ እዩ – ኣይተ ታዬ ደንደኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያውያን ፀገሞም ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዝኽእሉ ዘረጋገፀ እዩ” ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስቴር ሰላምን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን “እቲ ስምምዕነት ሰላም ንሕብረትናን ዘላቒ ሰላምናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዘስመዑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ÷ ጥፍኣት ካብ ዘስዕቡ ተግባራት ብምርሓቕ ንልምዓት ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብመንፅር እዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

“ጎንፂን ዘይምርድዳእን ብምምፍታሕ ኩላትና ንሰላም ሃገርና ቕድሚት ንሃብ” ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዉሑስ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ኩሉ ዜጋ ኣቲ ስምምዕነት ሰላም ክፀንዕ ብምግባር ንሰላምን ሓድነትን ክሰርሕ ከምዝግባእ እውን ኣታሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment