እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተጠርቲ ዝበለፀ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተጠርቲ ዝበለፀ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቶ ቦርድ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልላት ሃረሪን ሶማሌን ብምርካብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ውልቀ ሰባት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተዓዚቦም፡፡

ኣባላት እቲ ቦርድ ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሲቲ ወረዳታት ኣይሻን ካልኦትን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሃረሪ መምርሒ ፖሊስን መሰልጠኒ ኮሌጅ ፖሊስ እቲ ክልልን ብምርካብ ተጠርጠርቲ ዝዓረፉሎም ቦታታት ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡

ካብቶም ቤት ህንፀታት ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፣ ቀረብ ማይ፣ ምግቢ፣ ሕክምና፣ መናፅሂን ተተሓሒዙ ስድራቤት ምሕታቶም ብውልቀ ተዘራሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ እውን ቦርዱ ምስ ሓለፍቲ ክልል ሶማሌ ዞባ ሲቲ፣ ስ ፕሬዚዳንት ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልልን በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕን ዘፈር ፀፅታን ሰፊሕ ልዝብ ገይሩ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እቲ ኣዋጅ ተፈፃሚ ኣብ ምግባር ክልላት ብጥንካረ ዝፈፀሙዎምን ኣብ ቀፃሊ እንተዝረአዩ ብዝብል ዘለዎም ጉዳያት ኣብ መጠቓለሊ ግብረ መልሲታት ተመልኪቶም፡፡

ግብረ መልሲ ዘቕረቡ ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ፥ ክልላት ስግኣት ሰላምን ፀፅታን ይኾኑ ኢዮም ብዝብል ዝጠርጠሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም፣ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ግቡእ ምፅራይ ተገይሩ ምልቃቖም፣ ቀረብ ምግቢን ማይን ምህላዉ፣ ተጠርጠርቲ ብስድረኦም ክሕተቱ ምግባሩ ብጥንኩር ጎኑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተጠርቲ ዝበለፀ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ብግደኦም፥ ዝተውሃቦም ግብረ መልሲ ብምውሳድ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ስራሕቲ እታወት ከምዝኾኖም ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment